ንኽብርን ምትብባዕን ሰብሞያ ኤርትራውያን!

''ERI-Diaspora award''

”Eri-Diaspora Award’ ንኹሎም ብሉጻት ሰብሞያ ኤርትራውያን ንምብጻሕ ንቀደም በሉ! 

ዝተዳለዉ መደባት

microphone, mic, mike
ሙዚቃ

ኣብ ሙዚቃ ብብሉጽ ብቕዓትን ተወፋይነትን ባህላውን ዘመናውን ናይ ሃገርና ደርፍታት ኣብ ምምዕባል፡ ምዝያም፡ ምድራፍን ናይ ብሉጻት ብሉጻት ብህዝብን ሞያውያንን ዝተመርጹ ሰብሞያ ሙዚቃ ሽልማት ''Eri-Diaspora Award'' ብቑዓት ክኾኑ እዮም።

open book, library, education
ድርሰት ጽሑፋት

ንሓጸርትን መጽሓፍያውያን ጽሑፋት፡ ብምሩጽ ቃላትን ሳሓቢ ትረኻን ኣብ ሓቂ ዝተሞርከሰ ጽሑፋትን፡ ታሪኻዊ ብሂላትን፡ ልቢወላዳዊ ድርሰታትን ኣብ ምጽሓፍን ምሕታምን ከይተሓለሉ ዝጻዓሩን ጸሓፍቲ፡ ዝግባእ ኣፍልጦ ንብምሃብ ''Eri-Diaspora Award'' ተዳልይሎም እነሆ።

letter, girl, read
ስእልን ቅብኣን

ሓጸርቲ ልቢወለዳውን ትረኻታት፡ ታሪኻዊ ዛንታታት፡ ማሃሪ ትንተናታት ኣብ ምፍራይ ከይተሓለሉ ብሉጽ ስራሓት ዘፍረዩ፡ ሰብሞያ ን ''Eri-Diaspora Award'' ብምብቃዕ ኣፍልጦ ክህቦም እዩ።

filmstrip, cinema strip, video film
ፊልም

ሓጸርትን ተኻታትልትን ንባህላዊ ትንሳኤን፡ ንምዕባለን ህዝቢ፡ ንኣፍልጦ ታሪኽን ዛንታን ኣበርክቶ ዝገበሩ ብብልሒ ብብሉጽ ጥበብን ሞያን ዝተኣልዩን ዝተመርሑን ፊልምታት ''Eri-Diaspora Award''ክኾኑ እዩም።

ተዋስኦ

ኣብ ዝፈረዮ ዓብይትን ብሉጻትን ፊልምታት፡ ብብሉጽ ዓቅምን ናይ ምውሳእ ብቅዓትን ንዓበይቲ ድርሰታት፡ ዓበይቲ ኮይኖም ክቀርቡ፡ ብተዋሳእነት ወሳኒ ኣበክቶ ዝገበሩ ብሉጻት ተዋሳእቲ ''Eri-Diaspora Award'' ክረኽቡ እዩም።

football, ball, soccer
ስፖርት

ኣብ ሃገርዋን ኣህጉራውን መዳያት ስፖርት፡ ብተሳታፍነትን ተወዳዳርነትን ስሞምን ስም ህዝቦምን ሃገሮም ዘጸውዑን ንዓበይቲ ክብሪ ዘለዎም ዓወታት ዝበቕዑን ብሉጻት ስፖርታውያን ''Eri-Diaspora Award''ሽልማቶም እዩ።

ኣብነታውያን

ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ቁጠባውን ትምህርታውን ዓውድታት ኣብነታውያን ብምዃን ማሃሪ፡ ኣተባባዕን ኣብነትዋን ውጺኣታት ዘመዝገቡ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሜድያን ንምምሃርን ምምዕባለን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተወፈዩ ''Eri-Diaspora Award'' ብጺሒቶም ክኸውን እዩ።  

ብዛዕባ

''International Eritrean Diaspora academy''

እዚ ማሕበር ብምትሕብባር ምስ ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ማሕበራትን ትካላትን ብምትሕብባር፡ ብካብ ምሉእ ዓለም ዝተዋጽኡ ኤርትራውያን  ስነጥበባውያን ደረስቲ ጸሓፍቲ ተዋሳእትን ስፖርታያንን ኣባላት ዝቖመ ኮይኑ፡ ኣብ ከተማታት ሲድኒ ኣውስራልያ፡ ስቶኮሎም ሽወደን፡ ሎንዶን ዓባይ ብርጣንያ፡ ፍራንክፈርት ጀርመን፡ ኣትላንታ ኣሜሪካ፡ ቶሮንቶ ካናዳን ሽዱሽተ ማእከላት ብምርሓው ብዕለት 05.02.2020 ዝተመስረተ እዩ። ኤርትራውያን ሰብሞያ፡ ኣብ ምብርባር፡ ምትብባዕ፡ ትንሳኤን ምዕባለን ባህልን መንነትን ሕብረተሰብ ኤርትራ  ወሳኒ ተራ ከምዘለዎም ብምምእማን እዩ እዚ “ዓለምለካዊ ማሕበር ኤርትራውያን ወጻእተኛታት” ማለት (International Eritrean Diaspora academy) ተመስሪቱ። ንሞያውያን ኤርትራውን ኣፍልጦ ብምሃብ ምብርባርን ምትብባዕን ክዉን ንምግባር፡ ኩሉ ዘድሊ መድረኻት ምድላው፡ ክብርን ረብሓን ዝረኽብሉ መንገዲ ኣብ ምጥጣሕ ክነጥፍ እዩ። ዝዓበየ ዕማሙ ድማ  ንብሉጽ ፍርያት ኣብ ምፍራይን ምብርካትን ዝተዓወቱ ሞያውያን ኤርትራውያን ብርክት ዝበለ ሽልማታት ምብርካት ክኸውን እዩ። ንኹሎም ኤርትራውያን በብዕቅሞም ንኽሳተፉ ድማ ይዕድም ።

namibia, africa, desert

ንጥፈታት IEDA

IEDA ሕጹያት ተወዳደርቲ ን ”ሽልማት Diaspora academy” ብዕለት 1 የካቲታት 2021 ብወግዒ ክቕበል ጀሚሩ። ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ስነጥበብን ሞያን ዝወዳደሩ ልዕሊ  35 ሰብሞያን ጥበበኛታትን ተቐቢሉ፡ ድሮ ድማ 15 ካብኣቶም ንኹሉ ጠለባት ሕግን ቅጥዕን ዘማላኡ ኣጽዲቑ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣስፊሩ ኣሎ።

2020-12-01

IEDA  ብዕለት 5 የካቲታት 2020 ኣብ ከተማ ኣትላንታ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ወግዓዊ ናይ ፈለማ ርክብ፡ ማሕበር ዘድሎዩ ቅጦታትን ሕግታትን ብምጽዳቕ ማእከላይ ሽማግለን፡ መራሒ ማሕበርን ናይ ፊናንስ ሓለፍትን ብምምራጽ ርክቡ ብዓወት ዛዚሙ። 2020-12-01

ኻብ ሎሚ ዕለት 2 የካቲት 2021 ምርቛሕ ሕጹያት ተወዳደርቲ ን ”ሽልማት Diaspora academy 2021” ጀሚሩ። በዚ ሎሚ ዝጀመረ ምርቛሕ መሰረት ድሮ ልዕሊ 550 ሰባት ዝረቑሕዎም 78 ሕጹያት ንውድድር ቀሪቦም ኣለዉ። ምርቛሕ ሕጹያት ተወዳደርቲ ክሳብ 30 መጋቢት 2021 ከምዝካየድ IEDA ኣፍሊጡ።

IEDA ብዘቅረቦ ጻውዒት መሰረት፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ስነጥበብን ሞያን ከም ዳያኑ ኮይኖም ዝመምዩን ዝመዝኑን ናይ 12 ወለንተኛታት ኤርትራውያን  ስም ተቀቢሉ፡ ን 7 ብቅዓቶም ብምርግጋጽ ድማ፡ ብስራሕ ድሉዋት ገይርዎም ኣሎ።  2020-12- 07

IEDA ምስ ኤውሮፓዊ ትካል ሕትመትን ፈጠራዊ ጽሕፈትን ወግዓዊ ሓባራዊ ስምምዕ ብምፍራም፡ ንጸሓፍትን ደረስትን ኤርትራውያን ናይ ኣስተምህሮን ድርሰትን ሕትመትን ምትሕግጋዝ ዘኽእሎ መሰረት ድማ ኣንጺፉ።    2021-01- 12

 

ወግዓዊ ምርቛሕ ሕጹያት ተወዳደርቲ ን ”ሽልማት Diaspora academy 2021” ብዕለት 02 የካቲት 2021 ብወግዒ ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ ንዕዉታት ክቡር ሽልማታትን ሽምን ዝህብ ውድድር ክሳብ ዕለት 30 መጋቢት 2021 ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ክጸንሕ እዩ። ህዝቢ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ www.ieda.nu ወይ ድማ ብናይ Facebook, twitter, Instagram ገጻት ብዘሎ ጥብቆ (link) ፎርም፡ ከፊቱ ብምምላእ ብሉጻት ዝብሎም ዘድንቆም ስነጥበባውያን ሙዚቀኛታት ደረስቲ ጻሓፍቲ ሳኣልቲ ቀባእቲ ተዋሳእትን ብሉጽ ዝብሎ ፊልምን ንሑጹይነት ከቕርብ ዕድመ ተገይርሉ እነሆ።     2021 -02-01

ኤርትራውያን ዘማዕድውዎን ዝርእይዎን ርሑቅን ዕዉትን ምዃኑ ቃልሲን ናጽነት ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ። በዚ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበር ወጻእተኛታት ኤርትራ ክነቅል ፍሉይ፡ ናይ በይኑ ራኢ ወኒኑ ዘይኮነ ራኢ ኩሉ ህዝቢ ብምራኣይ እዩ። ኤርትራውያን ክብሪ ባህልን ምዕባለን፡ ትምህርትን ተወፋነትን ክፍጠሩ ምስኦም ዝቦቁል እምበር ተሰሪሑ ዝዕደሎም ክብሪ ኣይኮነን። ናይዚ ማሕበር ራኢ እምባኣር ነዚ ዘይሕለል ተስፋ ብሓባር ክነቕሕሉ ክዓጥቕሉ ክኸብርሉ ክስመይሉ ክኾርዕሉ ንወሎዶታትውን ክብሪ ከጽንሑ ኣበርክቶ ንምዕዛዝ እዩ።

ራኢ

''International Eritrean Diaspora academy''